Mehari Centre

ሓደስቲ መጻእቲ ርእሰ ምትእምማን ብዘለዎ ንኽሰፍሩ ምሕጋዝ

ስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእትን ፡ ህይወት አብ ካናዳ ንክድህስሱን ኣብ ቤቶም ከምዘለዉ መታን ክስምዖምን ዝሕግዙ መምርሒታትን ጸጋታትን ውልቃዊ ደገፋትን

ኣፍልጦ መሬት

ዕዮና ኣብቲ ዘይተወፈየን ኢዱ ዘይሃበን ዞባ ናይቲ ኣብዚ ህላወኡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣኒሺናበ ኣልጎንኲን ከም ዝካየድ ብኣኽብሮት ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። ንዅሎም ቀዳሞት ኣህዛብ ኢኑይትን ሜቲስን ስለቲ ዝሓለፈን ህሉውን ኣብዛ ሃገር ዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንህቦምን ነኽብሮምን ኢና።

ኣብ ማእከል መሃሪ ናይ ሓቂ ማሕበረሰብ ምህናጽ ምስ ቀዳሞት ህዝብታት እዛ ሃገር ዕርቂ ዘጠቓልል ኢዩ ኢልና ኢና እንኣምን። ንሓድነት ዘሎና ቘራጽነት ማለት ምስ ማሕበረሰብ ደቀባት ብምትሕብባር ምዕያይ ከምኡውን ነቲ ኣብ መንጎ ደቀባትን ሓደስቲ ማሕበረሰባትን ዘጋጥሞም ሓባራዊ ታሪኽ ናይ ምግዓዝን ተጻዋርነትን ስርዓታዊ ዕንቅፋታትን ኣፍልጦ ምሃብ ማለት እዩ።

እቲ ንቕድሚት ዝወስድ መገዲ ኣብ ሓቅን ኣኽብሮትን ሓባራዊ ስጕምትን እተመስረተ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ብምሃብ ብሕብረትን ደገፍን ምሳኹም ደው ኢልና ኣሎና።

መን ኢና

ማእከል መሓሪ ኣብ 2022 ዝተመስረተ እንትኸዉን ንኤርትራውያን ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ኦታዋ ንምድጋፍ ይሰርሕ። ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ደገፋትን ጸጋታትን ብምሃብ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን ኣብ ካናዳ ዝጀመርዎ ሓድሽ ህይወቶም ንክለምዱን ንኽጓዓዙን ንሕግዞም።

ጕጅለ መሪሕነትና ይላለዩ

ዛንታና

ማእከል መሓሪ ኣብ ኦታዋ ንማሕበረሰብ ኤርትራ ንምድጋፍ ካብ ዝነበረ ህጹጽ ድሌት ዝተላዕለ እዩ ተወሊዱ። ብባህልን ብቋንቋን ተደጊፎም ዝግበሩ መደባት ሰፈራ ውሑዳት ብምዃኖም፡ ብዙሓት ኣብቲ ሓድሽ ሃዋህው ንኽዓብዩን ክለምዱን ዘድሊ ደገፍ ንክስእኑ ገይሩ እዩ።

ምሉእ ዛንታና የንብቡ

ተልእኾና

ተልእኾ ማእከል መሓሪ እተመስረተ ድሕንነት እቶም ኣብ ኦታዋ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘደንፍዕን ዘመሓይሾን ኣብ ባህላውን ቋንቋውን መልህቕ እተመስረተ ፕሮግራማትን ኣገልግሎታትን ምሃብ እዩ። ማእከል መሃሪ ኤርትራዉያን ምቹዉ ዝኾነ ሃዋሁዉ ብምፍጣርን ዘድልዮም ሓበሬታታት ብምሃብን ከምኡ ውን ብሓፈሻ እቲ ማሕበረሰብ ነንርእሶም ጽቡቕ ርክብ ክህልዎም ዝገብር ኩነታት ይፈጥር።

ራእይና

ራእይ ማእከል መሓሪ ኣብ ኦታዋ ሓፈሻዊ ጥዑይን ምዕቡልን ከምኡ ውን ስኒት ዘለዎን ማሕበረሰብ ኤርትራ ምህናጽ እዩ።

ናይ ገንዘብ ድጋፍ ዝገብሩን መሻርኽትናን

City of Ottawa
Ottawa Community Foundation
Immigration, Refugees and Citizenship Canada
OCASI
SBCCI - Black Business Initiative
Employment and Social Development Canada
Foundation for Black Communities
Canadian Women's Foundation
NROCRC Community Resource Centre
TAIBU Community Health Centre
Somerset West Community Health Centre
OCTEVAW
Ottawa Public Health
Anabs Eritrean Sports Club
Canadian Somali Mothers Association
L'Arche Ottawa
Centre for Resilience and Social Development