Mehari Centre

ኣብ ባህልን ትውፊትን ዝተመስረተ መጻኢ ምህናጽ

ማእከል መሓሪ ባህላዊ ሃጓፋት ከመይ ገይሩ ከም ዝድልድልን ማሕበረሰባዊ ጽንዓት ብመደባቱን አገልግሎታቱን አቢሉ ከመይ ከም ዝሕብሕብን ዘዕብን ፍለጡ።

መሰረታዊ ክብርታትና

ትውፊትን ስኒትን ምሕቋፍ

ኣብ ማእከል መሓሪ፡ መሰረታዊ ክብርታትና ኣብ ኤርትራዊ ትውፊት ዓሚቕ ሱር ዘለዎም ኮይኖም፡ ስኒት፡ ጽንዓትን ርህራሄን የጕልሑ። እዞም መትከላት እዚኦም ንውልቀሰባት ዝድግፍን ማሕበረሰባዊ ምትእስሳር ዘደልድልን ደጋፊ ሃዋህው ንምፍጣር እንገብሮ ጻዕሪ ይመርሕዎ።

ኣገባብና ብመንፈስ “መሓርነት” እተቓነየ ኮይኑ፡ ሕያውነትን ምሕረትን ዘንጸባርቕ እዩ። እዞም ክብርታት ኣብ መደባትና ብምጽንባር፡ ስርዓታዊ ብድሆታት ንምፍታሕን ማሕበረሰብና ንምልዓልን ንዓልም።

ወፈራ

ወፈራ ናይ ትግርኛ ቃል ኮይኑ ብእንግሊዝኛ ብምቅርራብ “ንሓባራዊ ጽቡቕ ብሓባር ምስራሕ” ማለት እዩ። እዚ ንኣባላት ማሕበረሰብ ኣብ ቅልውላው ከለዉ ንምሕጋዝ ሓባራዊ ጻዕሪ ዝልዓሉሉ ናይ ሕድሕድ ሓገዝ ስርዓት እዩ፤ ንኣብነት ሓረስቶት ኣብ ዕዮኦም ድሒሮም ምዝራእ ወይ ምዕጻድ ብግዜኡ ንምውዳእ ተወሳኺ ኢድ ኣብ ዘድልየሎም እዋን፡ ሓደስቲ ኣባይቲ ንምህናጽ ወይ ዝተበላሸወ ንምዕራይ ሓገዝ ንዘድልዮም ውልቀሰባት፡ ንህጹጽ ወጻኢታት ገንዘብ ንዘድልዮም ውልቀሰባት፡ ወዘተ።

ፍትሒ

ከም ማሕበረሰብ፡ ኣብ እዋን ጸገም ፍትሓዊ ውጽኢት ንምርካብ ወትሩ ንልዓል ኢና። ከም ትካል፡ መደባትናን ኣገልግሎታትናን ምስ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ዘይምዕሩይነትን ፍልልያትን ዝተኣሳሰሩ ጕዳያት ኣብ ምፍታሕ የተኵሩ። ኣብ ኦታዋ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብግዜኡን ብባህሊ ዝሰማምዕን መደባትን ኣገልግሎታትን ናይ ምርካብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካናዳዊ ሕብረተሰብ ብዓወት ናይ ምውሃሃድ መሰል ኣለዎም።

ናይ ጾታ ማዕርነት

ማእከል መሓሪ ደቂ ኣንስትዮ ንህላወን ዓወትን ማሕበረሰብና ዓንዲ ሕቘ ምዃነን ኣፍልጦ ይህብ። ነቲ ዘጋጥመን ፍሉይ ብድሆታትን ዘሎ ናይ ሓይሊ ዘይምዕሩይነትን ብምግንዛብ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምብቃዕን መሪሕነተን ኣብ ምድንፋዕን ጽኑዕ ቈራጽነት ኣሎና። ብዝተዓለሙ ተበግሶታትን መደባትን ኣቢሉ፡ ማእከል መሓሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝስስናሉ፡ ዝመርሓሉን ንሓፈሻዊ ድሕንነትን ዓወትን ማሕበረሰብና ኣበርክቶ ዝገብራሉን ሃዋህው ኣብ ምፍጣር ተወፍዩ ኣሎ።

ፈውሲ

ኤርትራውያን ቅድሚ ስደቶም፡ ኣብቲ ሓደገኛን ኣጸጋምን ናይ ጕዕዞ መስመሮምን ድሕሪ ምስግጋር ኣብ ካናዳ ኣብ ዝነበሮም ተመኵሮን ብዙሕ ብድሆታትን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዅነታትን ሓሊፎም እዮም። ወለዶና ንደቅናን መንእሰያትናን ዝሓሸ ጽባሕ ንምድላው ሓላፍነት ኣለዎ። ማእከል መሓሪ ንፈውሲ፡ ምሕዳስን ዕርቅን ዝኸውን ሃዋህው ንምፍጣር ኣብ ብርታዐ ዝተመስረተ ኣገባብ ይጥቀም።

ሽምግልና

ከም ማሕበረሰብ፡ ሕድሕድና ተሓተትቲ ኢና። ብትውፊት፡ ፍልልያትና ንፈትሕን ጥዕናና ነደንፍዕን ኣብ ማሕበረሰብና ንዘለዉ “ሽማግለታት” ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ። ሸምግልና ብዕድመ ኣይግለጽን። ኣብ ክንድኡ፡ “ሽማግለታት” ብጥበቦም፡ ብስኒቶምን ብምዕሩይ ተግባራቶምን ትምህርቶምን ኣኽብሮት ማሕበረሰቦም ስለ ዘጥረዩ እዮም ዝፍለጡ።

ሓድነት

እቲ ማእከል መሓሪ ክፈትሖ ዝዓልም ዘሎ ዕንቅፋታት ስርዓታውን ወለዶታት ዝሓለፈን እዩ። ጻዕርና በይኑ ነዞም ማሕበራዊ ሕማማት ክፍውሶም ኣይክእልን። ሓባራዊ ጽልዋ ንምምጻእ፡ ምስ መሻርኽትን ኣገደስቲ ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብምትሕብባር፡ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ግሉላት ማሕበረሰባት፡ ደቀባት ህዝብታት ሓዊስካ፡ ብሓድነት ንሰርሕ።

ስኒት

ኣብ ማሕበረሰብና ብዘሎ ብዙሕነት ንሕበን ኢና። ኣብ ባህልና፡ ቋንቋና፡ እምነትናን ፖለቲካዊ ኣረኣእያናን ዘሎ ፍልልያት ነኽብሮ ኢና። ብዙሕነትና ብርታዐናን ከም ኤርትራውያን መን ምዃንና ዘመልክት ጽባቐናን እዩ። ንሓደ ሓባራዊ ዕላማ ንብርታዐን ድሕንነትን ኤርትራውያን ኣብ ኦታዋ ኢና እነገልግል።

ተልእኾና ይደግፉ

ተሳትፎኹም ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ። ብወፈያ ወይ ኣብ መደባትና ብንጡፍ ተሳትፎ ንማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ኦታዋ ኣብ ምድጋፍ ምሳና ተጸንበሩ።