Mehari Centre

ንማሕበረሰብና ከመይ ገይርና ንድግፍ

ንሓደስቲ መጻእቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቆልዑ፡ መንእሰያትን ስድራቤታትን ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መደባትን ውልቃዊ ደገፍን።

ደገፍ ሰፈራን ምሕደራ ጕዳያትን

ሓደስቲ መጻእቲ መዓልታዊ ብድሆታቶም ንኽሰግሩ በዞም ዝስዕቡ ንሕግዞም፦

  • ብቘጸራ ኣብ ቦታ ወይ ብኦንላይን ዝወሃብ ውልቃዊ ደገፍ ሰፈራ።
  • ብዛዕባ መንበሪ ገዛ፡ ስራሕ፡ ናይ እቶት ሓገዛት፡ ክንክን ቆልዑ ፡ስርዓተ ትምህርቲ፡ ሕቶታት ኢሚግረሽንን ሕጋዊ መሰላትን ደገፍ።

ሓገዝ እንተ ደሊኹም ወይ ካበይ ከም እትጅምሩ እንተ ዘይፈለጥኩም፡ ርኸቡና።

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን መደባት ደቂ ኣንስትዮን

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮና ንኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ደቂ ኣንስትዮ ንምርኻብ፡ ንምስትንታንን ንሓድሕድ ንምድግጋፍን ባህላዊ መሰረት ዘለዎ ቦታ የዳሉው።

ኣኼባታትና ኣብዞም ዝስዕቡ የተኵሩ

  • ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ፈውስን።
  • ዓርሰ እምነትን መሪሕነትን።
  • ኣተዓባብያ ቈልዑን ስድራቤታዊ ህይወትን።
  • መሰላት፡ ጸጋታትን ውህደትን።

ሓደስቲ ተሳተፍቲ ወትሩ ብሓጎስ ኢና ንቕበሎም።

መደብ ቆልዑ

ወርሓዊ መደብ ቆልዑ ትሕቲ 12 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ክመሃሩ፡ ክጻወቱን ክራኸቡን፡ ብተወሳኺ ባህላዊ መንነቶም ናይ ምውናን ስምዒቶም ዘደልድል ምቹውን ተቐባልን ቦታ እዩ።

ቆልዑ ዓርሰ እምነት፡ ማሕበራዊ ክእለትን ንትምህርቲ ምድላውን ብዘዘናግዕ፡ ብዝፍለጥን ባህላዊ መንነቶም ብዘረጋግጽን መገዲ ንኽሃንጹ ኢና እነተኵር።

ምስ ቆልዑ እንገብሮ፦

  • ናይ STEM ትምህርትን ናይ መጀመርታ ንባብን።
  • ስነ ጥበብን ናይ ፈጠራ መግለጺን።
  • ባህላዊ ዛንታን ሓባራዊ ልምድታትን።
  • ስድራቤታዊ ምትእስሳር ዘደልድል ንጥፈታት።
  • ናይ መዘክር ጽሑፍን ንዕድመ ዝሰማማዕ ምስትንታንን።
  • ናይ በዓላትን ክረምትን ንጥፈታት።
  • ኣብ ደገ ናይ ምጽዋት ግዜን ናይ ከባቢ ዑደትን።

ደቅኹም ንምምዝጋብ ወይከዓ ተወሳኺ ንምፍላጥ ትደልዩ ዲኹም?

ዲጂታላዊ ምህሮ ንደቂ ኣንስትዮ

ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ኮምፒተር ወይከዓ ናይ ኦንላይን ስርዓታት ውሱን ተበጻሕነት እዩ ነይሩወን። መደብ ዲጂታላዊ ትምህርትና ደቂ ኣንስትዮ ንመዓልታዊ ህይወተን ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዓርሰ እምነት ንኽሃንጻ ይሕግዘን።

ካብ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፡

  • መሰረታዊ ክእለት ኮምፒተር።
  • ኢመይልን ናይ ኦንላይን ርክብን።
  • ናይ መንግስትን ናይ ሰፈራን መርበባት ሓበሬታ።
  • ናይ ኦንላይን ድሕንነት።
  • ስራሕ ምድላይን ኦንላይን ኣገልግሎታትን።

ኣብ ዝመጽእ ኣኼባታት ክትሳተፉ ትደልዩ ዲኹም?

ውልቃውን ናይ ቅልውላው ደገፍን

ገለ ብድሆታት ግዘ ኣይህቡን። ንብሕትውና፡ ስድራቤታዊ ጸቕጢ፡ ስንባደ ወይ ህጹጽ ዕንቅፋታት ንዘጋጠሞም ውልቀሰባት ምስጢራዊ ውልቃዊ ደገፍ ንህብ።

ደገፍና እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፦

  • ንፀገማትኩም ምስማዕን ስምዒታዊ ደገፍ ምሃብን።
  • ናይ ድሕንነት መደብ ምውጻእ።
  • ጸጋታት ናይ ምርካብ መምርሒ።
  • ናብ እሙናት መሻርኽቲ ዝግበር ምዉካስ ።

ደገፍ እንተ ደሊኹም፡ ብቐጥታ ርኸቡና።

ምምራሕን አርአያ ምኹዋንን መንእሰያት፡ ትምህርትን ትምህርታዊ ሓገዝን

ምስ ሓደስቲ መጻእትን ካልኣይ ወለዶን መንእሰያት ብቐረባ ብምስራሕ ትምህርታዊ ዓወት፡ ዓርሰ እምነትን ናይ መጻኢ መደብን ንድግፍ።

ናይ መንእሰያት ስራሕና ዘጠቓልሎ፦

  • ምምራሕን አርአያነትን ክእለት ምህናጽን።
  • ሰሙናዊ ኦንላይን ትምህርታዊ ሓገዝ።
  • ምስ ስድራቤታትን መራሕቲ ማሕበረሰብን ናይ መንእሰያት ምምኽኻር።
  • ናይ ትምህርትን ሞያዊ መገዲ ዘርኢዩን ምድላዋት።

መንእሰያት ወይ ወለዲ ክሳተፉ ይደልዩ ዲዮም?

ጥዕና ኣእምሮን ጽቡቕ ሂወትን

ናይ ስደት ስንባደን ብሕትውናን ነባሪ ጽልዋታት ኣፍልጦ ንህቦ ኢና። ናይ ኣእምሮ ጥዕና ስራሕና ባህላዊ ተሃዋስን ኣብ ማሕበረሰብ እተመስረተን እዩ።

እዚ ዘጠቓልሎ፦

  • ብትግርኛን ኣምሓርኛን ባህላዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕክምና ይርከቡ።
  • ንወለዲ ብዛዕባ ኦቲዝም (ASD) ስልጠና።
  • ንሰራሕተኛታትን ወለንተኛታትን ናይ ርእሰ ቕትለት መከላኸሊ ስልጠና።
  • ወፍሪ ማሕበረሰባዊ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ኣብ ናይ ከባቢ በዓላትን ምድላዋትን

ተወሳኺ ንምፍላጥ ወይከዓ ደገፍ ንምርካብ ምሳና ይራኸቡ።